ፈላሚት ኣኼባ ቭዥን ሚኒስትሪስ ኤርትራ

ፈላሚት ኣኼባ ቭዥን ሚኒስትሪስ ኤርትራ (First VME Zoom Meeting)

ኣብ ኤርትራ፡ ሓንቲ ሃገራዊት ዩኒቨርስቲ ስነ-መለኮት ኣይተፈጥረትን። ኣብ ዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት፡ መም ተኪኤ መብራህቱ፡  ብ1980ዓም ቀዳማይ ዝተመዝገቡ ተማሃራይ International Correspondence Institute (ICI) ብናይ ሎሚ Global University ኮይኖም ብናይ ምልእኣኽ ትምህርቲ ጀሚሮም። እዚ ዩኒቨርሲቲ እዚ ቅድም፡ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያን ጽኒሑውን ኣብ ከንያን ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ  ጌይሩ ክንቀሳቀስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 2015 ዓም ብዕሊ Global University ICI-Eritrea ተባሂሉ ስርሑ ብዘገምታ ክዓይይ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ካብ መወዳእታ 2019 ኣትሒዙ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ተውሲኑ ከይተረፈ፡ ምስ Global University ብዓይነቱ ፍሉይ መርበብ መስርሕ ብምፍጣር Global University for Eritrean Community ተባሂሉ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ስደትን ኣብ ሃገርን ዝርከብ ብኣዚዩ ዝተሓተ ዝተደጎመ ገንዘብ ከፊሉ ክማሃር ምስ ቀሺ ዶ/ር ብርሃነ ካሕሳይ ውዕል ተጌይሩ ክምራሕ ጸኒሑ፡ ብሾብዓተ ኣባላታ ኣካየድቲ (Board of Directors) ሃገራዊት ፈላሚት ዩኒቨርስቲ ስነ-መሎኮት Vision Ministries Eritrea ብዝብል ስም ኣብ ካናዳ ብዕሊ ብ2020ዓም  ተመዝጊባ ስርሓ ተካይድ ኣላ፡፡

ራእይና  Vision

ንኤርትራውያን ኣገልገልቲ ብላዕለዋይ ትምህርቲ ስነ-መለኮት፡ ብቀዳማይ ዲግርን ብድሕረ ምረቓ ትምህርትን ንምስልጣን፡ ብርእሳ እትመሓደር (Interdenominational) ፈላሚት ዩኒቨርስቲ ስነ-መሎኮት: ኣብ ሃገረ ኤርትራ ንምትካልን፡ ካብኣ ንዚፈርዩ፥ መውከሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋና ንምብርካት ብክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኣዳራጂያ፡ ኣብ ሃገር ተሰሪታን ተሃኒጻን ብዕሊ  ስርሓ ክሳዕ እተካይድ፡ ብመርበብ ትምህርቲ ስነ-መለኮት፡ ምስ ግሎባል ዩኒቨርስቲ ብምዝማድ፥ ንተልእኾ ቅኑዕ ወንጌል ንምዝርጋሕ፡ ነገልገልትን ንግዱሳት ምእመናን ምስልጣን ዝዓለመ ራእዪ  ኣገልግሎታት እዩ።

Mission

ተልእኾና ንክርስትያናት ኣገልገልቲ፡ ምስ ዝተፈላለያ ልዑልን ብቑዕን ተፈላጥነት ዘለወን መሰልጠኒ ማእከላትን፥ ትካላትን ሕብረት ብመርበብ ዕዮ ኣማዕቢልካ፡ ንጽውዓ ዓብዪ ተልእኾ ተግባራዊ ንምግባር፡ ብኣዚዩ ውጽኢታዊ ዝኾነ መገዲ  ንኻልኦት ምግልጋል እዩ።

VME motto  ጭሮሖና፡  ብዙሓትን ብቑዓትን ሃገራውያን ኣገልገልቲ ምስልጣን

Our Strategy  ትልምታትና፦

  • ኣብ ሃገረ ኤርትራን ኣብ ስደትን ዘለዉ ኤርትራውያን፥ ንዓቕሚ ገንዘብ ዘይብሎም ብድጎማ ክማሃሩ ምግባር። (Full Scholarship)
  • ኣብ ስደት ንዘለዉ ኤርትራውያን ብርትዓዊ ዋጋ ዝተደጎመ ዕድል ትምህርቲ ረኺቦም ንኽማሃሩ የሳልጥ ወይ ክውን ይገብር። (Reasonable and affordable)
  • ምስ Global University ናይ ዕዮ መርበብ ብምግባር፡ Undergraduate and Graduate ፕሮግራማት ምክያድ።
  • ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርከቡ ስደትኛታትን ኣብ ኤርትራን ናይ Textbooks ላይብረሪ ኣዳሊኻ፡ ተማህሮ ብመልክዕ ልቓሕ እናተጠቕሙ ክጥቀምሉ ምግባር።
  • ኤርትራውያን ምሁራት ብ Global University ንምምሃር ኣፍልጦ ዝረኸቡ ብምትሕብባር፡ ንኤርትራውያን ተማሃሮ ብዓቕሞም ኣሳሊኻ ምስልጣን። (Adjunct Faculty)
  • ሓደ ጉጅለ ምሁርና፡ እንተወሓደ ብድሕረ ቀዳማይ ዲግሪ ብትምህርቲ ስነ-መለኮት እተመረቑ ብክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ተጠርኒፉም፡ መስርሕ መውከሲ ትንታነ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸዳልዉ ምግባር። ብፍላይ ኣተኩረና ኣብ ኮመንተሪ ምስራሕ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሕ።
  • ንመወከሲ መጽሓፍ ቅዱስን መንፈሳዊ ጽሕፋትን ምሕታምን ምዝርጋሕን ንኤርትራውያን ምሁራት ስነ-መለኮት ኣታባቢዕካ፡ ንኽልቲኣዊ ረብሓ፡ ማለት ንቪዥን ሚኒስትሪታት ኤርትራን ንጸሓፍትን፡ ኣብ ትካላት ከም እኒ ኣማዞን፡ ንስፊሕ ዝርጋሐ ስነ-ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብዕቱብ ምስራሕ፡ ርክብ ምግባር።
  • ምስ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናትን፡ ሚኒስትሪታትን ውልቀ ሰባትን ንኸምዚ ዝበለ ራእዪ ተግባራዊ ንምዃን መርበብ ሕብረት ምድንፋዕ። (Supporting and Sponsoring Agents).
  • Global University Programs    ግሎባል ዩኒቨርሲት ካብ 1947 ዓም ንኣገልገልቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽማሃሩ ዕድል ዘይረኸቡ ትምህርቲ ብምልእኣኽ ዝጀመረ ሕጂ ኣብ 150 ሃገራት ብብምዕቡል መገዲ ካብ ናይ Certificate, Diploma, Bachelor of Arts (BA), Second BA, Master of Arts (MA), Master Divinity (MDiv) ከምኡውን ብ Doctor of Ministry (DM) ብ Nondegree and Degree ፕሮግራማት የካይድ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ናይ 44 ዓመት ታሪኽ ዘለዎ ፍቱን ቤት ትምህርቲ ኮይኑ Global University Eritrea ብዘይካ ናይ Doctor of Ministry ፕሮግራም ካብ 2015 ዓም ካልእ ኩሎም ፕሮግራማት ብምጡን ዓቕሙ የካይድ ኣሎ።Click the following link (ንሰፊሕ ርድኢት ብዛዕባ ግሎባል ዩኒቨርሲቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠውቕ)       www.globaluniversity.edu

Share This Story, Choose Your Platform!

Joining VME Community Enjoying Bible Education now

Become Part of VME to Further Your Spiritual Growth.

Go to Top